FMC Tigrigna
✔
1.84K subscribers
31.3K photos
81 videos
18 files
24.3K links
This is FMC Tigrigna official Telegram channel.

@fanatelevision
@FMCSport
@afanoromofana

For more updates please visit
https://fanamc.com/tigrigna
Download Telegram
ኣብ ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ናይ ምግብን ሎጂስቲክስን ደገፍ ንምሃብ ተዳልዮም ናውቲታት ዝነበሩ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምት፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓውልቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ናይ ምግቢን ሎጂስቲክስን ደገፍ ንምግባር ተዳልዮም ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ናውቲታት ብሓበሬታ ሕብረተሰብን ምስ ኣካላት ፀጥታ ብዝተገበረ ሓባራዊ ምፅራይፃ ከምዝተታሕዙ ተገሊፁ። ካብቶም ዝተታሕዙ ናውቲታት እግሪ ሳእኒ ኮንጎን ኮሮንሾ እንጀራን ከምኡ እውን ሕሩጭ ፉርኖ፣ ዘይቲ፣ ጣፍ፣ በርበረ፣ ሽሮን ሳሙናን ይርከብዎም። እቶም…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ኣብ-ከተማ-መቐለ-ዘይሕጋዊ-ጉጅለ-ህወሓት-ና/
ሎሚ መዓልቲ ዝካየዱ ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ምሸት 5 ፀወታታት ክካየዱ እዮም። ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ ፀወታ ምሸት ሰዓት 11:00 ኣርባዕተ ፀወታታት እንትካየዱ፤ ቼልሲ ምስ ሰንደርላንድን ሊቨርፑል ምስ ክሪስታል ፓላስን ዝገብረኦም ፀወታታት ትኹረት ረኺቦም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ ሰዓት ብራይተን ምስ ብሬንትፎርድ፣ ኢፕስዊች ምስ ቦርንማውዝ ፀወታአን ክገብራ እየን። ምሸት…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ሎሚ-መዓልቲ-ዝካየዱ-ፀወታታት-ፕሪምየር-ሊ/
ኢትዮጵያ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ለውጢ ክሊማ ኣፍሪካ እተንፀባርቐሉ ጉባኤ ኮፕ 31

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣጀንዳታት ለውጢ ክሊማ ኣፍሪካ እተንፀባርቐሉን ዝቕፅል ጉባኤ ናይ ምትእንጋድ ሓላፍነታ እትርከበሉን መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ክሊማ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ 31) ፅባሕ ኣብ ቱርኪ ምክያድ ክጅምር እዩ። ኣብ ከተማ ኣንታልያ ቱርኪ ዝካየድ እቲ ጉባኤ፤ “ካብ ዘተ ናብ ዓለም ለኸ ተግባርን ኣፈፃፅማን ዝሰጋገረሉ” (“Where dialogue turns into global action”)…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ሃገራዊ-ኣጀንዳታት-ለውጢ-ክሊማ/
ዓቕሚ ኣህጉራዊ ድርድር ለውጢ ክሊማ ዘጠናኸረ ሓምለዋይ ኣሰር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ዘካየደቶ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብዙሕ ውፅኢት ኣምፂኡ እዩ። እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ዝጀመረሉ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ፣ ኣብ እዋን ክረምቲን ወፍሪ ሓንቲ ፀሓይን ኣቢላ ልዕሊ 56 ቢልየን ፈልሲ ተተኺሉ እዩ። እዚ ድማ ካብ ምዕባይ መፍረያይነት ሕርሻ ጀሚሩ ኩለመዳይ ረብሓታት ከምፅእ ጀሚሩ ኣሎ። ብፍላይ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ዓቕሚ-ኣህጉራዊ-ድርድር-ለውጢ-ክሊማ-ዘጠና/
ፓርቲ ብልፅግና ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ርብዒ ዓመት ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2019 ዓ.ም ዝግምግመሉ መድረኽ ኣካይዱ። ኣብቲ መድረኽ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ኣይተ ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲን ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈትን ተረኺቦም። ኣብቲ መድረኽ ገምጋም ሪፖርት ኣፈፃፅማ ስራሕ ርብዒ ዓመት ዝቐረበ ኮይኑ፤ ብዛዕባ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ፓርቲ-ብልፅግና-ገምጋም-ኣፈፃፅማ-ስራሕ-ር/
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ናብ ቱርክዬ ኣንታሊያ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ኮፕ-31 ንምስታፍ ናብ ቱርክዬ ኣንታሊያ ኣቲዮም፡፡ እቶም ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም ምስ ፕሬዚዳንት ኮፕ-31፣ ምስ ጉጅለ ተደራደርቲ ለውጢ ክሊማ ዝተፈላለያ ሃገራትን መሓዙት ኣካላትን ክዛተዩ እዮም፡፡ እቶም ልዝባት ካብ ኮፕ-31 ናብ ኮፕ-32 ዝግበር ስግግር ብዝተሳለጠ ኩነታት ንምቕፃል ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘድሀቡ እዮም፡፡…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ሚኒስትር-ጉዳያት-ወፃኢ-ጌዲዮን-ጢሞቴዎስ-2/
ሊቨርፑል እንትስዕር፤ ቼልሲ ብሰንደርላንድ ተሳዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሊቨርፑል ንክሪስታል ፓላስ 3 ን 1 ስዒራ፡፡ ሊቨርፑል ዝተዓወተትለን ሸቶታት ማካሊስተር፣ ቪርትዝን ኣሌክሳንደር ኢሳክን እንተመዝግቡ፤ ብሕታዊት ሸቶ ክሪስታል ፓላስ ድማ ኤዲ ንኪታህ ኣመዝጊቡዋ፡፡ ኣብ ካሊእ ፀወታ ቼልሲ ብሰንደርላንድ 1 ን 0 ተሳዒራ፡፡ ሰንደርላንድ ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ሌ ፊ ኣመዝጊቡዋ፡፡ ንብሬንትፎርድ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ሊቨርፑል-እንትስዕር፤-ቼልሲ-ብሰንደርላ/
ማንቸስተር ዩናይትድን ኣስቶን ቪላን 4 ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ዩናይትድ ምስ ኣስቶን ቪላ 4 ን 4 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተፈላሊየን። ምሸት ሰዓት 1:30 ኣብ ኦልድ ትራፎርድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ሸቶታት ኣስቶን ቪላ ኣሊሰን፣ ኒኮላስ ጃክሰን፣ ማክጊን (ብፍፁም ቅላዕ) ከምኡ እውን ጎሬስካ ኣመዝጊቦምወን። ሸቶታት ማንቸስተር ዩናይትድ ድማ ብሩኖ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ማንቸስተር-ዩናይትድን-ኣስቶን-ቪላን-4-ማዕ/
ቆራፅነት መንግስቲ መደመር ዘላቒ ስርዓት ኢነርጂ ኣብ ምህናፅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ መደመር ተበፃሒ፣ ዘተኣማምን፣ ተመጣጣኒን ዘላቒን ስርዓት ኢነርጂ ንምህናፅ ቆራፅ ምዃኑ ብዝፈፀሞም ዝተፈላለዩ ተግባራት ኣርእዩ እዩ። ኢትዮጵያ ዝሓንፀፀቶ ሸቶ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ንምዕዋት ጥንኩር ምትሕብባር፣ ቀፃሊ ዝኾነ ኢንቨስትመንትን ዕዙዝ ተሳትፎ ዘፈር ውልቀን ወሳኒ እዩ። ኤሌክትሪክ ንስግግር ኢኮኖሚ፣ ንዕቤት ኢንዱስትሪ፣ ንመፍረያይነት ሕርሻን ንምምሕያሽ ኣገልግሎት ህዝቢን መሰረታዊ ተራ ኣለዎ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ቆራፅነት-መንግስቲ-መደመር-ዘላቒ-ስርዓት/
ንግዲ ካርቦን ኢትዮጵያ – ንሓለዋ ተፈጥሮ ዝወሃብ ሽልማት

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ለውጢ ንብረት ኣየር ንዓለም ኣብ ዘሻቕለሉ ዘሎ እዚ 21 ክፍለ ዘመን፣ ኢትዮጵያ ተፈጥሮ ብምሕላው ምንጭታት ፋይናንስ ኣየር ንብረት ንምስፋሕ ዘኽእላ ሓድሽ ዕድል ፈጢራ ኣላ፤ እዚ ድማ ንግዲ ካርቦን እዩ። ንግዲ ካርቦን ማለት ብሰንኪ ለውጢ ኣየር ንብረት ናብ ኣየር ዝልቀቑ፣ ብፍላይ ከም ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዝኣመሰሉ በከልቲ ጋዛት ብምጉዳል…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ንግዲ-ካርቦን-ኢትዮጵያ-ንሓለዋ-ተፈጥሮ/
ኢትዮጵያ፡ ካብ ዓቕሚ ርእሰ ልምዓት ክሳብ ኣፍሪካዊ ተምሳሌት ምዕባለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ርእሰ ሃፍቲ ብምጥቃም ምምዕባል ከምዝከኣል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዘካየደቶም ስራሕቲ ልምዓት ኣረጋጊፃ እያ። ብፍላይ ኣብ ግድብ ህዳሰን ፅዕንቶ ወፃኢ ብምፅዋር ርእሰ ዓቕሚን ፀጋታት ተፈጥሮኣን ብምትሕብባር ናብ ልምዓት ክትቅይሮም ክኢላ እያ። ካብ ሃገራት እቲ ዞባ ሓሊፋ ንመላእ ኣፍሪካ ብቀረብ ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓትን ምትእስሳር ንግዲን ዝፈፀመቶም ተግባራት ነዚ ዘረጋግፁ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ፡-ካብ-ዓቕሚ-ርእሰ-ልምዓት-ክሳብ/
ኢትዮጵያ ንኮፕ-32 ጥንኹር ምድላው ትገብር ኣላ – ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ንኮፕ-32 ጥንኹር ምድላው ትገብር ኣላ ኢለን ሚኒስትር ገንዘብ ፍፁም ኣሰፋ። ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪየ ከተማ ኣንታሊያ ይካየድ ኣብ ዘሎ መድረኽ ኮፕ-31 ናይ ባዕላ ፓቪሊዮን ከፊታ ንሃገራዊ ኣበርክቶኣ እናላለወት ትርከብ። ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብዚ ኣጋጣሚ ከምዝገለፅኦ፣ ኣብ ቱርኪየ ኣንታልያ ዝተኸፍተ ፓቪልዮን ኢትዮጵያ ንኮፕ-32 እትገብሮ ምድላው ንምርኣይ ዓብዩ ኣበርክቶ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ኢትዮጵያ-ንኮፕ-32-ጥንኹር-ምድላው-ትገብር-ኣ/
ንምዕባለ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ዘፈር መዓድን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዓቕሚ ዘፈር መዓድን ንምዕባይን እቲ ሃፍቲ ንዕቤት ኢኮኖሚ ንምውዓልን ዝተኻየዱ ስራሕቲ ዘተባብዑ ውፅኢታት እናምፅኡ ይርከቡ። እታ ሃገር ኣብ ውሽጣ ዝሓዘቶም ኣዝዮም ሰፋሕቲ ፀጋታት ተፈጥሮ ብግቡእ ብምጥቃም ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን እቶት ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይን ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ምስሊ እቲ ዓውዲ እናቐየረቶ መፂኣ። ብፍላይ ከም ወርቂ፣…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ንምዕባለ-ኢትዮጵያ-ሓዱሽ-ምዕራፍ-ዝኸፈተ/
ንኣባል ሃገራት ኢኒሼቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ዝግበር ድጋፍ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ቻይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቻይና ምስ ኣባል ሃገራት ኢኒሼቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ዘለዋ ሓፈሻዊ ምትሕብባርን እትገብሮ ሓገዝን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢላ። ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ኣባል ሃገራት ኢኒሼቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ዝተውፃእፅኡ 16 ትካላት ሚድያ ዝተሳተፉሉ ዓለም ለኸ ሓባራዊ መድረኽ ርክብን ሓበሬታን ኣብ ቻይና ቤጂንግ ይካየድ ኣሎ። እቲ መድረኽ ቻይና ኣብ ዘርፊ ርክብን…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ንኣባል-ሃገራት-ኢኒሼቲቭ-ቤልት-ኤንድ-ሮድ/
ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ ትግራይ መሃያ ክኽፈል እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ንሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ትግራይ መሃያ ክኽፈል ኢዩ ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ። እቶም ሓላፊ ኣብ ዝሃዎ መግለፂ፤ ክፍሊት መሃያ ክጅመር ብዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢት ብምርካቡ እዩ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክፍሊት ከምዝካየድ ኣረጋጊፆም፡፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 140 ሺሕ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ካብ-ፅባሕ-ጀሚሩ-ንሰራሕተኛታት-ኣብያተ-ዕ/
ድርድር ኣባልነት ኢትዮጵያ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ – ወ/ሮ ያስሚን ወሃብረቢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን እትገብሮ ዘላ ድርድር ናብ ወሳኒ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ኢለን ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ። 8ይ ኣኼባ ጉጅለ ስራሕ ትካል ንግዲ ዓለም ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ተኻይዱ። ዋና ተደራዳሪት ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ዝኾና ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ ዝመርሕኦ ጉጅለ ልኡኽ…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ድርድር-ኣባልነት-ኢትዮጵያ-ኣብ-ትካል-ንግ/
ተሳትፎ ትካላት ኢንሹራንስ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ-መዋእለ ንዋይ ንሓደሽቲ ዘፈራት ፋይናንስ በሪ ዝኸፍት እዩ – ወ/ሮ ዮዲት ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላት ኢንሹራንስ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ-መዋእለ ንዋይ ብምስታፎም ሓደሽቲ ዘፈራት ፋይናንስ ናብቲ ዕዳጋ ክፅንበሩ በሪ ዝኸፍት ኢለን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ዕዳጋ ሰነደ-መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ዮዲት ካሳ። ኩባንያ ኢንሹራንስ ኣዋሽ ኣብ ዕዳጋ ሰነደ-መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያ ብምምዝጋብ ኣብቲ ዓውዲ ፈላማይ ኩባንያ ብምዃን ሎሚ ናብቲ ዕዳጋ ተፀንቢሩ። ወ/ሮ ዮዲት ካሳ ኣብቲ እዋን፤…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ተሳትፎ-ትካላት-ኢንሹራንስ-ኣብ-ዕዳጋ-ሰነ/
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዳይሬክተር ለውጢ ክሊማ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ጎኒ ጎድኒ ጉባኤ ኮፕ31 ምስ ዳይሬክተር ለውጢ ክሊማ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣንቶኒ ኦኮን ንዮንግ (ፕ/ር) ተዛቲየን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ካብቲም ዳይሬክተር ብተወሳኺ ምስ ኣምባሳደር ግሎባል ኮቨናንት ኦፍ ሜየርስን (Global Covenant of Mayors)ን ነበር ከንቲባ ፓሪስን ሂዳልጎን…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ከንቲባ-ኣዳነች-ኣቤቤ-ምስ-ዳይሬክተር-ለው/
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ ወንበር ጉጀለ ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ተመራፂ ፕሬዚዳንት COP32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ ወንበር ጉጀለ ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ኣምባሳደር ቲሞር-ሌስቴ ኣዳኦ ሶኣሬስ ባርቦሳ ተዛትዮም። እቲ ዘተ ኣብ ጎኒ ጉባኤ COP31 ኣብ ፓቪልዮን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ቀዳምነታት ጉዳያት ኣብ ዕቤት ዝርከባ ሃገራት ንጉባኤ COP32 ዝግበሩ ምድላዋትን…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ሚኒስትር-ጉዳያት-ወፃኢ-ጌዲዮን-ጢሞቴዎስ-3/
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩኤን ሀቢታት ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩኤን ሀቢታት ኣናክላውድያ ሮስባክ ተዛትየን። እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ብዘስፈረኦ መልእኽቲ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ለውጢ ከተማን ዘላቒ ልምዓትን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከም ዝተዛተያ ገሊፀን። ከተማና ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝተኻየደ መዓልቲ ዓለም ለኸ ከተማታት ዝተዓወተቶ ሽልማት…

https://www.fanamc.com/tigrigna/ከንቲባ-ኣዳነች-ኣቤቤ-ምስ-ዋና-ዳይሬክተር-2/